ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣዘራሪቡ

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 06 December 2017

al marghani

ቀዳማይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን መሓመድ ሓሰን ኣል ሙርቓኒ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሱዳንን ኤርትራ ብዝምልከት ንኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣቶ እድሪስ ኢብራሂም ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ከምዘዘራረቦ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ብ21 ሕዳር፣ ኣብ ቤት መንግስቲ ሱዳን ዝተኻየደ ዝርርብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ብዝምልከት’ውን ነጥብታት ከምዘልዓለ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ዛሕቲሉ ከምዘሎ ዘረድኡ እቶም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ርክብ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳንን ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራን፣ ብዛዕባ ተኽእሎ ዑደት ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ካብን ናብን ካርቱም ኣስመራ’ውን ከምዝተዘራረቡ ጠቒሶም።

ሱዳንን ኤርትራ ብጉዳይ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋር ደቂሰብ ከምኡ ድማ ምንቕስቓስ ተቓወምቲ ጉጅለታትን ብዝምልከት ዝተፈላለየ መርገጺታት ከምዘለወን’ዩ ዝግለጽ።

ኣምሓዳሪ ዞባ ከሰላ፣ ናብ ኤርትራ ብኮንትሮባንዳ ዝሰግር ዘሎ ከም ፊኖ፣ ዘይቲ፣ ነዳዲን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ንመነባብሮ ህዝቢ እቲ ዞባ ይሃስዮ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ሱዳን፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ሓዋላ ዶላርን ኤውሮን ዝእክቡ ኤርትራውያን ኣብ ካርቱም ኣዋፊሩ ከምዘሎ ክትወቕስ ምጽንሓ’ዩ ዝንገር።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ኣምባሳደር እኳ እንተዘይብሉ፣ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኤምባሲ ኣቶ እድሪስ ኢብራሂም ከምዘይወግዓዊ ኣምባሳደር ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ የረድኡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0