ስዑዲ ዓረብ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዕሽሽ ብምባል ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ትሰጉግ ኣላ

Radio Erena: 13 April 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ኣስታት 3 ሽሕ ኢትይጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰት ፋይናንሻል ታይምስ ኣቃሊሑ።

እታ ሃገር፣ ነዚ ብደረጃ ዓለም ኣስግኡ ዘሎ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ናይ ውሸባ እዋናትን ዕሽሽ ብምባል፣ መዓልታዊ ኢትይጵያውያን ዝጸዓና ክልተ ነፈርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትልእኽ ምጽንሓ’ዩ እቲ ምንጪ ዘመልክት።

እተን ናብ ዓዶም ዝምለሱ ስደተኛታት ዝጸዓና ነፈርቲ ድማ ከብትን ጤለ በጊዕን ተጻዒነን ናብ ስዑዲ ይምለሳ ምንባረን’ዩ ተሓቢረን።

እዚ ዘለናዮ እዋን፣ ስደተኛታት ብእኩብ ዝስጎጉሉ ግዜ ከምዘይኮነ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ካትሪን ሶዚ ወቒሳ።

እቲ ዝበኣሰ ድማ እቶም ዝስጎጉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፣ መርመራ ኮሮና ቫይረስ ዘይተአብረሎም ምስ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ከምዘጋድድ’ውን እቲ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ነቒፋ።

ምምላስ እቶም ስደተኛታት ብግዴታ ከምዘይኮነን ምስተን ዝቕበልኦም ሃገራት ብምርድዳእ ይካየድ ከምዘሎን ሓደ በዓል ስልጣን ስዑዲ ኣረዲኡ።

እቶም ካብ ስዑዲ ዝምለሱ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ነናብ ገዝኦም ቅድሚ ምፍናዎም፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ህንጻታት ዩኒቨርሲቲ ንክልተ ቅነ ይውሸቡ ከምዘለው’ዩ ብወገን ኢትዮጵያ ዝግለጽ።

ኣብ ሓደ ሓደ ካብቶም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተሰጎጉ ኢትዮጵውያን፣ ኮረና ቫይረስ ከምዝተረኽበ’ውን ጸብጻብ ፋይናንሻል ታይምስ ይጠቕስ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0