ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ዕዳጋ ነዳዲ ንምፍታሕ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 16 July 2021

ስዑዲ ዓረብን ሕብራት ኢማራትን፣ ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ዕዳጋ ነዳዲ፣ ብዘተ ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ተገሊጹ።

እዘን ኣብ ጉዳይ የመንንን፣ ንቀጠር ኣብ ከበባ ንምእታውን ብልፍንቲ ክሰርሓ ዝጸንሓ ሃገራት ወሽመጥ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዘን፣ ብጉዳይ እቲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐረብ ብዝሒ ነዳዲ ክዋጠጣ’የን ተራእየን።

እቲ በጺሐንኦ ዝብሃል ዘሎ ስምምዕ ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ብቀጻሊ ኣብ ዝካየድ ዘተ እዘን ሃገራት ክቐርብ ምዃኑ ፋይናንሻል ታይምስ ኣሚቱ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐርብ ብዝሒ ነዳዲ እንተወሲኹ፣ ዋጋታቱ ክቕንስ’ዩ ብዝብል ክትቓወሞ እንከላ፣ ሕቡራት ኢማራትን ማሕበር ኣፍረይቲ ነዳዲን ወይ OPEC ድማ ፍርያት ክውስኽ ክደፍእሉ ጸኒሖም።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ እስራኤልን ቱርኪን፣ ሓድሽ ናይ ወፍሪን ንግድን መደባት ምሓዛ፣ ንስዑዲ ዓረብ ከምዘሻቐላ’ዩ ዝግለጽ።

ብምልኣኽ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ነዳዲ ጥራይ ዝተመርኮሰ ቁጠባኣ ብምኽላስ፣ ናብ ካልእ ዓይነት ወፍሪን ንግድን ንምትኳር ኣብ እትእሰርሓሉ ዘላ እዋን፣ ንሕቡራት ኢማራት ከም መተሃላልኽቲ ክትርእያ ስለዝጀመረት፣ ኣብ መንጎአን ስዉር ወጥሪ ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ኣገንዚቦም።

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ብጉዳይ ንግዲን ወፍሪን ተሳቢቡ ተኸሲቱ ዝጸንሐ ወጥሪ፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓድሽ ናይ ዲፕሎማሲ ምክፍፋል ከየውድቖ ዘስግእ ምዃኑ እቶም ተንተንቲ ኣረዲኦም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0