ሶማል፣ ናይ መጀመርያ ጓለነስተይቲ ንፕረዚደንት ክትወዳደር’ያ

Radio Erena: 16 July 2021

ኣብ ሶማል፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ሓንቲ ጓለነስተይቲ ሕጽይቲ ኮይና ቀሪባ።

እዛ ፎውዝያ ዮሱፍ ሓጂ ኣደም ዝተባህለት ኣባል ባይቶ፣ ብደቂተባዕትዮ ጥራይ ተባሒቱ ዝርከብ፣ ስልጣን ፕረዚደንት፣ ብደቂንስትዮ ክብዳህ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ሒዛ’ያ ክትወዳደር መሪጻ።

ፕረዚደንት ክትከውን እንተተመሪጻ፣ ኣብ ጸጥታ፣ ቁጠባን ትምህርቲን ብዝያዳ ከተተኩር ምዃና ተመባጺዓ ኣላ።

ንሳ፣ እዞም ጽላታት እዚኣቶም፣ ደቂተባዕትዮ መራሕቲ ሶማል፣ ክዕወቱሎም ኣይከኣሉን ዝብል ስነ ምጉት ድማ’ያ ኣቕሪባ።

ሽበራ፣ ዘይብቑዕ ምሕደራን ምቛም ሓያል ማእከላይ መንግስትን ዝዓበዩ ብድሆታታ ኣብ ዝኾነት ሶማል፣ መን መጺኡ ኣብ ስልጣን ብዘየገድስ፤ ኣብ ሓደ ለይቲ ክፍታሕ ከምዘይክእል ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ይሰማምዑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0