ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንሱዳን፣ ልዕሊ 4 ሚልዮን ኩንታል ናይ እኽሊ ረዲኤት ለጊሰን

Radio Erena: 13 August 2019

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንሱዳን፣ 4.8 ሚልዮን ኩንታል ዝግመት ስርናይ፣ ብመልክዕ ረዲኤት ከምዝለገሳ ኣራብ ኒውስ ሓቢሩ።

እቲ 540 ሽሕ ቶን ናይ እኽሊ ረድኤት፣ ንሱዳን ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ መግቢ መሻርፍ ክሽፍነላ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

እቲ ረዲኤት፣ ኣካል እቲ ክልቲኤን ሃገራት ዓረብ፣ ንሱዳን ዝኣተውኦ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ንቁጠባ ሱዳን ንምብርባር፣ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣብ ካዝና ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ምቅማጣ ይዝከር።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ለጊሰንኦ ዘለዋ ናይ እኽሊ ረድኤት፣ ነታ ሃገር ግዝያዊ ምርግጋዕ ዕዳጋ ሃለኽቲ ነገራት ከምጽኣላ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ እዘን ክልተ ሃገራት ብጉልባብ ረዲኤትን ቁጠባዊ ደገፍን ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ኢደን ከይሕውሳ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ሻቕሎቶም ይግለጹ።

ክልቲኤን ሃገራት ዓረብ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፍ ቅንያት ዝተኻየደ፣ ስምምዕ ምቛም መሰጋግሪ መንግስቲ ዝድግፍ መግለጺ እኳ እንተውጽኣ፣ ዝልዓለ ጠመትኣን ኣብቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሱዳን፣ ንክልትኤን ሃገራት ብምድጋፍ ናብ የመን ሰራዊት እኳ እንተልኣኸት፣ ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዝጸንሓ ጥቡቕ ዝምድና ከሻቕለን ጸኒሑ’ዩ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0