ፕረዚደንት ሶማል፣ ዝነበሮ ናይ ኣመሪካ ዜግነት ሰሪዙ

Radio Erena: 13 August 2019

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላህ ፋርማጆ፣ ዝነብሮ ናይ ኣመሪካ ዜግነት ብወግዒ ከምዝሰረዞ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መሓመድ ፋርማጆ፣ ፕረዚደንት ካብ ዝኾነሉ ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ ዝነበሮ ናይ ኣመሪካ ዜግነት ንምምላስ ሕጋዊ መስርሕ ከካይድ ከምዝጸንሐ’ዩ ተሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ መስርሕ ተዛዚሙ።

እቲ ፕረዚደት ናብ ሶማል ተመሊሱ ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ፣ ኣብ ኣመሪካ ንሓያሎ ዓመታት ከምዝተቐመጠ ሰነዳቱ የመልክት።

ብመሰረት ቅዋም ሶማል፣ ድርብ ዜግነት ዝፍቐድ እኳ እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዝርከቦም ዝበዝሑ ሰበ ስልጣን ሶማል፣ “ንዜግነት ሶማል፣ እሙናት ኣይኮነን” ዝብል ወቐሳ ብተደጋጋሚ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

መራሕትን ሰበ ስልጣንን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንደቆምን ቤተሰቦምን፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካናዳን፣ ብምቕማጥ፣ ዜግነት ከምዘትሕዝዎም ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ’ውን ዝበዝሑ ሚኒስተራት፣ ኣምባሳደራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን፣ ደቆም ካብ ኤርትራ ብምውጻእ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከምዘቕምጡ ሰነዳት የረጋግጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0