ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ቅንያት ልደት ልዕሊ 16 ሽሕ ዶላር ዝረኸበ ኤርትራዊ ናብ ዋንኡ መሊስዎ

ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ቅንያት ልደት ልዕሊ 16 ሽሕ ዶላር ዝረኸበ ኤርትራዊ ናብ ዋንኡ መሊስዎ

Radio Erena: 26 December 2018

Swiss franc

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ካብ ከተማ ዙርኪ ንሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ዊንተርሁር፣ 16, 500 ሽሕ ስዊስ ፍራንክ (ብሸርፊ ልዕሊ 16,700 ዶላር) ዝረኸበ ኤርትራዊ ናብ ዋንኡ ከምዝመለሶ ጋዜጣ 20 ደቃይቕ ኣብ ናይ 24 ታሕሳስ ሕታማ ኣስፊራ።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ፣ ነቲ ኣብ ፕላስቲክ ተጠቕሊሉ ዝረኸቦ ገንዘብ፣ ዝጠፍአ ንብረት ናብ ዝእከበሉ ቦታ’ዩ ወሲድዎ።

ዕደመ ዝደፍአ ምዃኑ ዝተነግረሉ ዋና እቲ ገንዘብ፣ መኪና ንምግዛእ ነቲ ገንዘብ ካብ ናይ ባንክ ማሽን ሳንዱቕ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ኣብ ጎማ ድሕሪ ምጥቕላሉ’ዩ ረሲዕዎ ከይዱ።

ሰናይ ተግባር እቲ ኤርትራዊ ሓተቲ ዑቕባ ዘሐጎሶ ዋና ገንዘብ፣ 500 ዶላር መቑሽሽ ለጊስሉ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ዝጠፍአ ንብረት ዝምለሰሉ ማሕበር፣ ሚሸል ሎቸስተር፣ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ዘርኣዮ ሰናይ ተግባር፣ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ከምዘለው ዘመልክት’ዩ ክብል ናእድኡን ምስጋንኡን ኣቕሪቡ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት፣ ኣብ ሉሰርን ዙሪክን ባስልን፣ በብእዋኑ ጠፊኡ ዝተረኽበ፣ 28 ሽሕ፣ 55 ሽሕ ከምኡ ድማ 144 ሽሕ ዶላር፣ ብድምር ልዕሊ 270 ሽሕ ዶላር ናብ ዋናታቱ ከምዝተመልሰ ጸብጻብ ናይቲ ማሕበር የመልክት።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0