ሱዳን፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምጉርጉር፣ ማእከል ኤርትራውያን መንእሰያት ተሃኒጻ

ሱዳን፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምጉርጉር፣ ማእከል ኤርትራውያን መንእሰያት ተሃኒጻ

Radio Erena: 26 December 2018

Umgurgur Sudan

ኣብ ሱዳን፣ መዓስከር ስደተኛታት ኡምጉርጉር፣ ማእከል መንእሰያት ኤርትራ ከምዝተሃንጸት ናብ ሬድዮ ኤረና ዝተላእከ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እታ ብኣባላት ሓጂ ሙሳ ፋውንዴሽን ተሃኒጹ ዘሎ ማእከል፣ ንመንእሰያት ኣብ ምዝንጋዕን ኣብ ኩነታቶም ኢሂን ሚሂን ኣብ ምብህሃልን ክትሕግዝ ትጽቢት ይግበረላ።

ብዘይካ’ዚ እታ ናይ ኤሌክትሪክ ጀነሬተር፣ ኣዳራሽን ካልእ መሳለጥያታትን እትውንን ማእከል፣ መንነት ኤርትራውያያን ንኸይሃስስ፣ ከም መራኸቢትን መሰጋገሪትን ብምዃን ዓቢ ግደ ክትጻወት ምዃና እቲ ዝተላእከልና ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኣብ ስነ ጥበብ፣ ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠናታትን፣ ካልእ ዓቕሚ መንእሰያት ኣብ ምዕባይ ዝሕግዙ ንጥፈታትን ከምኡ ድማ ከም መርዓን ፌስቲቫልን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ክካየደላ’ዩ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ብተደጋጋሚ ዝርአ ከም ሕማም ሸሮኽን ዓሶን ዝኣመሰለ ሕማማት፣ ካብ ኣውራ ጥዕናውን ማሕበራውን ብድሆታት እታ መዓስከር ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፣ እዛ ተሃኒጻ ዘላ ማእከል መንእሰያት፣ ብዛዕባ’ዚን ካልእን ኣብ ምዝታይን ሓገዛት ኣብ ምርካብን ኣበርክቶ ክህልዋ ከምዝኽእል የገንዝብ።

እዛ፣ ብስም ሓጂ ሙሳ ፋውንዴሽን ክትቕጽል ምዃና ተገሊጻ ዘላ እዛ ማእከል፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ክትህነጽ ዝጀመረት ኮይና፣ ኣብ ውስጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ተዛዚማ’ያ ዝሓለፈ ቅንያት ኣገልግሎት ጀሚራ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን እትርከብ መዓስከር ኡምጉርጉር፣ ከም ካርኮራ፣ ኣቡራኻም፣ ሱኪ፣ሓዋታን ሳምሳምን ዝኣመሰላ 13 ንኡሳን መዓስከራት ዝሓቖፈት ኮይና ልዕሊ 90 ሚእታዊት ነበርታ ዜጋታት ኤርትራ’ዮም።

ብዙሓት ካብቶም ኤርትራውያን ካብ 1960 ኣትሒዞም ኣብዚ መዓስከር ክነብሩ እንከለዉ፣ ገሊኦም ድማ ሓደስቲ’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0