ስዊዘርላንድ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ንዘይተቐበለቶም ኤርትራውያን፣ ናብ ዓዶም ክትመልስ ምድላዋት ትገብር

ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ንዘይተቐበሎም ኤርትራውያን፣ ናብ ዓዶም ክመልስ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ቤት ፍርዲ’ቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ናይ 3,400 ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ሕቶ ድሕሪ ምምርማር፣ ናይ 63 ኤርትራውያን ጠለብ ስለዘይተቐበሎ፣ ናብ ኤርትራ ዝምለሱሉ ኣገባብ የጽንዕ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ከምዝፍለጥ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ መስርሕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ኣካዪዱ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ወጻኢ ሃገራት ብጥርኑፍ ንዝተጠረዙ ዜጋታቱ ከምዘይቅበል ኣብ እቲ እዋን’ቲ ገሊጹ’ዩ።

ነዞም ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ክጥርዞም መዲቡ ዘሎ ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ክቕበሎም ስለዘይኮነ፣ ብወለንትኦም ዝምለሱሉ መስርሕ ኣብ ምስላጥ እውን ከም ካልኣይ ኣማራጺ ይረኣይ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ይገልጹ። ምስ ጀርመን፣ ሽወደንን ኖርወይን ብምዝርራብ እውን መንግስቲ ኤርትራ ዝቕበለሎም መንገዲ ንምንዳይ ኣብ ምይይጥ ይርከብ።

ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ነዚ ናይ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ስጉምቲ ‘ሓደስቲ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከይመጹ ከም መፈራርሂ ይጥቀመሎም ኣሎ’ ብምባል ተቓዊሞሞ ኣለዉ።

ኣብ 2015 ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ከባቢ 10 ሽሕ ዝነበረ፣ ኣብ 2020 ናብ 1,346 ከምዝወረደ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0