ኢጋድ፡ ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ፍሉይ ዋዕላ ኣካይዱ

Radio Erena: 20 December 2020

ኢጋድ፡ መራሕቲ ጂቡቲ፤ ኢትዮጵያ፤ ሱዳን፤ ሶማልን ኬንያን ዝተሳተፍዎ መበል 38 ፍሉይ ዋዕላ ኣካይዱ።

እቲ ሎሚ ሰንበት 20 ታሕሳስ፡ ኣብ ጂቡቲ ዝተኻየደ ፍሉይ ዋዕላ፤ ኣብ ህሉው ኩነታት ኣባላት ሃገራት ዘተኮረ’ዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ቀዳሞት ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ዶባቶም ዝተኻየደ ግጭትን ድሒሩ ዝተኸስተ ወጥርን ብዝምልከት ዘትዮም።

ፕረዚደንታት ሶማልን ኬንያን፡ ክሳብ ምብታኽ ዝምድና በጺሑ ዘሎ ኩነታቶም ብዝምልከት ድሕሪ ምዝታዮም፣ ኣምባሳደራቶም ዳግም ነናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ኣብ ዝብል ከምዝተሰማምዑ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ይኹን’ምበር፣ ዘሰሓሕቦም ዘሎ ጉዳይ ንምፍታሕ፣ ደረጃ ብደረጃ ክዝተየሉ ስለዘድሊ ግዜ ክወሃቦ ከምዝጠለቡ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ፍሉይ ዋዕላ ኣኼባ ኢጋድ፣ ኡጋንዳ ብኣምባሳደራ ክትሳተፍ እንከላ፣ ደቡብ ሱዳን ድማ ምክትል ፕረዚደንት’ያ ልኢኻ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዲፕሎማሰኛታትን’ውን ተረኺቦን ኔሮም።

ኢጋድ፣ ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቖፈ ዞባዊ ውድብ ኮይኑ፣ ካብ 2011 ንደሓር፣ ወኪል ኤርትራ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ተሳቲፉ ኣይፈልጥን’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ዝካየድ ዋዕላታት፣ ባንዴራ ኤርትራ ተሰቒላ ትረአ’ያ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0