ስነ ስርዓት ቀብሪ ቀ.ሚ. ኣቶ መለስ ዜናዊ ተፈጺሙ

ስነ ስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራትን ኣሽሓት ህዝብን ኣብ ዝተረኽበሉ ትማሊ 2 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ፣ ብዘይካ ፕረዚደንት ኤርትራ ብሙሉኦም ፕረዚደንታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦትን ልዕሊ 20 ዝኾኑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክርከቡ እንከለዉ፣ ሚኒተራት ወጻኢ ጉዳያት፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ኣምባሳደራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምኡ ድማ ከም ወናኒ ማይክሮሶፍ ዝኾነ ቢልዮነር በዓል ጸጋ ቢል ጌትስን ዝኣመሰሉን’ውን ከምእተረኽቡ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ቤልጁም ሳን ሉክ ዩኒቨርስቲቲ ሆስፒታል ኣብ ሕክምና ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ብ20 ነሓሰ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ምስታፉን ዘይምስታፉን ዛጊት እኳ እንተዘይተረጋገጸ፣ ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተዳለወ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መዘክር ግና ብ27 ነሓሰ ክታሙ ከምዘንበረን፣ ንበዓልቲ ቤት መለስ ዜናዊ ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን ጽንዓት ይሃብኪ ብምብላ ሰላም ከምዝበላን ክረጋገጽ ክኢሉ’ዩ።
ማዕከን ዜና መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ዜናዊ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምህብ ተቖጢቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0