ስነጥበባዊ ኣብራር ዑስማን ተዓዋቲ ስልማት ፔን ኤርትራ 2022 ኮይኑ

Radio Erena: 02 October 2022

ዓመታዊ ኣብ ዝካየድ ምዕዳል ስልማት ፔን ኤርትራ፣ ስነጥበባዊ ኣብራር ዑስማን ናይዚ ዓመት’ዚ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ምዕዳል ስልማት ፔን ኤርትራ፣ ሎሚ ሰንበት 02 ጥቅምቲ 2020’ዩ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።

ኣብራር ዑስማን፣ ንነዊሕ ዓመታት ብዘበርከቶ ጥበብ፣ ሓሳብካ ብናጽ ምግላጽን ብሉጽ ደርፍታትን’ዩ ናይዚ ዓመት ተዓዋቲ ኮይኑ ዘሎ።

ስነ ጥበባዊ ኣብራር ዑስማን፣ ነዚ ዝሓለፈ ኣስታት 40 ዓመታት፣ ንቃልሲ፣ ፍትሒ፣ ሓርነት፣ ፍቕርን መዓልታዊ ህይወትን ዝገልጹ ፖለቲካን ፍልስፍናን ሓዘላት ደርፍታት ናብ ህዝቢ ዘቕረበን ገና’ውን ዘቕርብ ዘሎን ሓደ ካብ ብሉጻት ኤርትራውያን ድምጻውያን’ዩ።

ፔን ኤርትራ፣ ኣብ ባሕቲ ጥቅምቲ 2014 ካብ ዝተመስረተሉ፣ ንገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርግኣለም ፍስሃ፣ ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተን ጸሓፊን ሳልሕ ቓዲ ከምኡ ድማ ንጸሓፊን ሃያሲን ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ በብእዋኑ ስልማት ዓዲሉ’ዩ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0