ኣስታት 360 ኤርትራውያን ኣብ ላምፔዱዛ ዝጠሓልሉ ታሽዓይ ዓመት ይዝከር

Radio Erena: 03 October 2022

ኣስታት 360 ኤርትራውያን፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብ ላምፔዱዛ ዝጠሓልሉ ታሽዓይ ዓመት ይዝከር ኣሎ።

ኣብ 03 ጥቅምቲ 2013፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተበጊሳ ኣብ ክሊ ማያት ኢጣልያ ከምዝጠሓለት ይዝከር።

እቶም ኤርትራውያን ረዳኢ እናተጸበዩ፣ ኣብታ ጃልባ ብዘጋጠማ ባርዕ፣ ኣብ ኣብ ላምፔዱሳ ከምዝጠሓለተን፣ ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት 360 ኤርትራውያን ከምዝሞቱን ኣይርሳዕን።

ሬሳ ናይቶም ኣብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ ኤርትራውያን ናብ ዓዱ ንምምላስ ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት፣ ኢጣልያን ኤርትራን ኣብ ውድኡ ምርድዳእ ክበጽሓ ብዘይምኽኣለን፣ ገሊኡ ክቕበር እንከሎ ገሊኡ ድማ ኣብ ኣግሪጀንቶን ካልእ ከባቢታት ሲሲልያን ኣብ ጋህሲ ተቐሚጡ ምህላዉ ይፍለጥ።

እዚ መላእ ዓለም ዘዛረበ ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ሓያሎ መንግስታትን ህዝብታትን ንግዳያት እቲ ሓደጋ፣ ዝተፈላለየ ናይ ዝኽሪ መደባት ክሰርዕሎም እንከለዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ናይ ሓዘን መዓልቲ’ውን ኣይኣወጀሎምን።

ድሕሪ’ዚ ንኤርትራውያን ዘሰንበደ ሓደጋ ላምፔዱዛ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመታት’ውን ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ክጎድል ብዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተደጋጋሚ እዋን ምጥሓል ኣጋጢሙ’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0