ስርሑ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ብክራይ ብዘምጽኣ ሓንቲ ነፋሪት ናብ ጅዳን ዱባይ ግዝያዊ በረራታት ክጅምር’ዩ

ስርሑ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ብክራይ ብዘምጽኣ ሓንቲ ነፋሪት ናብ ጅዳን ዱባይ ግዝያዊ በረራታት ክጅምር’ዩ

Radio Erena: April 25, 2014

eri airlines

ብሰንኪ ክሳራታትን ውሕስነት ዘይብሉ መጓዓዝያን በረራታቱ ኣቛሪጹ ዝጸንሀ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ብሓንቲ ናይ ክራይ ነፋሪት ካብን ናብን ኣስመራ ጅዳን ኣስመራ ዱባይን ሓድሽ በረራታት ክጅምር’ዩ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ዝምስረት ኣብ ውስጢ 10 ዓመቱ ናይ ኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ኣጋጢምዎ ደው ክብል እኳ እንተተገደደ፣ ኣብ ሳዋ ንዝካየድ ፌስቲቫልን ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ኤርትራ ከሕልፉ ንዝመርጹ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ግምት ብምእታው፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብክራይ ወይ ብሊዝ ብዝሓዛ ሓንቲ ነፋሪት ነቲ ካብን ናብን ኣስመራ ጂዳን ዱባይን መስመራት ክሽፍኖ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

 

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ውሕስነት የብሉን ብምባል ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከከካየድ ሕብረት ኤውሮጳ ስለዝኣገዶ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ ኤውሮጳ ክህሉ ዝክእል ዋሕዚ ደገፍቲ ናብ ኤርትራ፣ ምስ መንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ ግዝያዊ ስምምዕ ከምዘካየደ ብሬድዮ ኤረና ተጠቒሱ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ካብን ናብን ኣስመራ፣ ኢስታንቡልን ሃገራት ኤውሮጳን ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሒዝዎ ንዝነበረ መስመራት መብዛሕቱ ንመንገዲ ኣየር ሱዳን ከምዘረከቦ ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን’ምበር ውሁስ ኣገልግሎት ዘይብሉ መንገዲ ኣየር ሱዳን’ውን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ በረራታት ከየካይድ እጉድ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብመንገታት ኣየር ግብጺ፣ የመንን ሱዳንን ካብን ናብን ኣስመራ፣ ግብጺ፣ ሰንዓ፣ ካርቱም፣ ጁባ፣ ጂዳን ዱባይን ናይ መጓዓዝያ በረራታት ይካየድ እኳ እንተሎ፣ እቲ ኣገልግሎት ውሑስን ኣተኣማማንን ብዘይምዃኑ፣ ተጓዓዝቲ ኣብ ዝመረጽዎ ግዜን ዕለትን ክጎዓዙ ከምዘይክኣሉ’ዩ ዝግለጽ።

ካብ ወርሓ ግንቦትን ሰነን ኣትሒዙ ድማ፣ መንገዲ ኤርትራ ካብን ናብን ኣስመራ ዱባይ ጂዳ፣ መንገዲ ኣየር ፍላይኦሎምፒክ ድማ ካብን ናብን ኣስመራ፣ ስቶኮልን ለንደንን ብግዝያውነት መንገዲ ኣየር ቱርኪ ድማ ብስሩዕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምራ’የን።

ኣብ ኤርትራ ውሑስን ኣተኣማማንን ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያ ክህሉ ብዘይምኽኣሉ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝመላለሱ ተጓዓዝቲ ብፍላይ ድማ ካብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ንዝመላለሱ፣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ብሰንኩ ድማ ካብን ናብን ኣስመራን ሃገራት ዓለም ዝካየድ ጉዕዞ፣ ብዙሕ ሰዓታት ዘባኽንን ኮለል ዝበዝሖን ኮይኑ ይርከብ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0