ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ ካብ ዓሌት ኑዌር ዝኾኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ መዝነቶም ብምስጓግ ብዓሌት ዲንካ ተኪእዎም

ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ ካብ ዓሌት ኑዌር ዝኾኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ መዝነቶም ብምስጓግ ብዓሌት ዲንካ ተኪእዎም

Radio Erena: April 25, 2014

genrela james

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ምስ ተቓወምቲ ርክብ ከይህልዎ ንዝጠርጠሮ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ሰጉጉዎ።

እቲ ፕረዚደንት ካብ ዓሌት እቶም ብሬክ ማሻር ዝምርሑ ተቓወምቲ- ኑዌር ንዝኾነ ሓለዋ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ጄምስ ሆት ማይ ካብ መዝነቱ ዝሰጎገሉ ምኽንያት፣ ድሕሪ’ቲ ከተማ ባንትዩን ነዳዲ ዝኮዓተሉ ከባብቢታትን ኣብ ኢድ ተቓወምቲ ምውዳቑ’ዩ።

ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ዩኒቲ ንእትርከብ ከተማ ባንቱዩ ምቁጽጻሮም ነዳዲ ዝኳዓተሉ ጎዳጉድን ካብ ስራሕ ደው ኣቢሎሞ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

 

ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ከይጠሓስ ተሰጊኡሉ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ምስጓጉ፣ ነቲ ኩነታት ብዝብኣሰ ከይጸልዎ ተሰጊኡ ኣሎ።

እቲ ካብ 2009 ኣትሒዙ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ዝነበረ ጀነራል ጄምስ ሆት ማይ ምስቶም ብሬክ ማሻር ዝምርሑ ተቓወምቲ እንተተጸንቢሩ፣ እቲ ግጭት መሊሱ ክብእስ ከምዝኽእል ይትንተን።

ብተመሳሳሊ’ውን እቲ ፕረዚደንት ካብ ዓሌት ኑዌር ንዝኾነ ሓላፊ ጸጥታን ስለያን እታ ሃገር’ውን ብተመሳሳሊ ካብ መዝነቱ ሰጉጉዎ ምህላዉ ተረጋጊጹ።

ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ምስጓግ’ዞም ክልተ ሰበ ስልጣን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምትዕርራይ ከምዝገበረ ጥራይ’ዩ ጠቒሱ።

እንተኾ እቲ ፕረዚደንት፣ ነቶም ካብ መዝነቶም ዝሰጎጎም ክልተ ካብ ዓሌት ኑዌር ዝኾኑ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን ሓላፊ ጸጥታን፣ ካብ ዓሌቱ ዲንካ ብዝኾኑ ሓድሽተ ኣዘዝቲ ምትክኡ፣ ምትዕርራይ ዘይኮነ፣ እቲ መንግስቲ ብንጹር ብሓደ ዓሌት ጥራት ክምራሕ ምዃኑ ዘርእይ’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ይነቕፉ።

እቲ ብልሽውናን ናይ ስልጣን ዓብላልነትን ዝመበገስኡ ግጭት ደቡብ ሱዳን፣ ምሉእ ብምሉእ ዓሌታዊ መልክዕ ከይሕዝ’ውን ኣሻቒሉ ኣሎ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0