ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 04 February 2022

መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ቀዳም 5ን ሰንበት 6ን ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ ብ2ን3ን ለካቲት፣ ብመበል 40 ስሩዕ ዋዕላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣባላት ናይቲ ሕብረት ዝፈለመ ርክብ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ለበዳ ኮቪድ፣ ምዕሩይ ዝርግሐ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ፣ በብዕለቱ ዝውስኽ ዘሎ ግጭታት ናይዛ ኣህጉርን፣ ዘይቅዋማዊ ምእላይ መንግስታትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ‘ዩ ኣተኵሩ።

ካብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሰጋገረሉ መበል 20 ዓመቱ ዝዝክር ዘሎ ዋዕላ ናይዛ ኣህጉር፣ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢን ካልእ እዛ ኣህጉር ዛጊት ክትፈትሖም ዘይከኣለት ብድሆታትን ክመያየጥ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ፈጺሙ ዘይቃዶ ፖሊሲታትን መርገጺን ዘለወን ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እዚ ዋዕላ’ዚ ኣብ ዝተኸፍተሉ፣ ኣብ ጉዳይ ናይ ተዓዛቢ ኣባልነት እስራኤል ኣብቲ ሕብረት ኣብ ዝብል ተገማሚዑ ከምዝነበረ ዲፕሎማሰኛታት ኣንፊቶም።

እስራኤል፣ ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተቐባልነት እኳ እንነበራ፣ እቲ ውድብ ኣብ 2002 ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተሰጋገረሉ እዋን፣ ብድፊእት መራሒ ሊብያ ነበር፣ ሙዓመር ቐዛፊን ደገፍቱ መንግስታትን ተኣልያ’ያ ጸኒሓ።

ምስ 44 ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ዝምድና ዘለዋ እስራኤል፣ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ናይ ተዓዛብነት ቦትኣ ክትምለስ ምዃና፣ ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሙሳ ፋኪ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ተሓበረ፣ ብስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ክውሰን ተባሂሉ ክሳብ እዚ ዓመት’ዚ ተሰጋጊሩ ጸኒሑ።

ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ገዚፍ ክፋል ባጀተን ካብ ምወላ፣ ልቓሕን ረዲኤትን ትካላትን ሃገራትን ዝርከብ ምስ ምዃኑ፣ ኣብ ዞባዊ ይኹን ናይዛ ኣህጉር ጉዳያት ካብ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ናጻ ዝኾነ ሓባራዊ ውሳኔ ክወስዳ ከምዘጸግመን ተንተንቲ የረድኡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0