ስልጣን ካብ ኣቡኡ ክርከብ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ዝተገልጸ፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ኡጋንዳ፣ ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ከምዘይተፋነወ ኣፈኛ ሓይሊ ምድሪ ገሊጹ

Radio Erena: 15 March 2022

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚን ወዱ ንፕረዚደንትን ኡጋንዳን፣ ሌተናትን ጀነራል ሙሁዚ ካይነረጉባ፣ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር፣ ንኣቡኡ ንምትካእ፣ ኣብ መበል 47 ዓመቱ ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ከምዝተፋነወ ማዕከናት ዜና ካብ ካምፓላ ከቓልሓ ቀንየ’የን።

እቲ ጀነራል፣ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ድሕሪ ናይ 28 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ምጽንሑ ተመሳጊኑ ከምዝተፋነወ ‘ውን ኣረጋጊጹ’ዩ።

እንተኾነ ኣፈኛ ሰራዊት ሓይሊ ምድሪ ኡጋንዳ፣ ክሪስ ማገዚ፣ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ።

እቲ ኣፈኛ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ጀነራል ሙሁዚ፣ ኣብ ንጡፍ ምድቡ ስርሑ ምህላዉ ጠቒሱ።

ቦኽሪ ወዱ ንፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ዝኾነ ጀነራል፣ ካብ 19 ዓመቱ ኣትሒዙ ን28 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ጽፍሕታት እታ ሃገር ተመዲቡ ዝሰርሐ’ዩ።

ንኡጋንዳ ን36 ዓመታት ዝመርሐ፣ ወዲ 77 ዓመት ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ድሕሪ ናይ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ፣ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ኣብ መበል 81 ዓመቱ ስልጣኑ ክሓድግ ምዃኑ ይዝረብ’ዩ።

እንተኾነ ስልጣን ዝርከብ ወዱ ነቲ ፕረዚደንት፣ ልዩተናትን ጀነራል ሙሁዚ ምዃኑ ‘ዮም ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ዝእንፍቱ።

ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝርከቡ 8 መራሕቲ ሃገራት’ዩ።

ንኤርትራ ን31 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን፣ ሓደ ካብቶም ምስሊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ደዊኖም ዘለዉ፣ መለኽቲ ናይዛ ኣህጉር ተባሂሉ ምስ ሙሴቬኒ ይስራዕ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0