ሰሜን ኮርያ፣ 60 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ክልኣኸላ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 15 March 2022

ምስ ኤርትራ ብምዃን ንክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ እትሕሰም ናብ ዘላ ሰሜን ኮርያ፣ 60 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ክልኣኸላ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ክከታትል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ትካል ተማሕጺኑ።

ፍሉይ ራፖርተር ናይቲ ትካል፣ ቶማስ ኦጅያ ኵንታና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ተጠሊቡ ዘሎ ብዝሒ፣ ንህዝቢ ሰሜን ኮርያ ከክልተ ግዜ ንክኽተብ ዝኣክል’ዩ ክብል ኣነጺሩ።

ኣቐዲሙ፣ ብመንገዲ ኮቫክስ፣ ንሰሜን ኮርያ ልዕሊ 8 ሚልዮን ዶዝ ክታበት እኳ እንተተቐረበ፣ እታ ሃገር ዝኾነ ግብረ መልሲ ስለዘይሃበት ደው ኢሉ።

እንደገና’ውን ንህጹጽ እዋናት ከገልገልግል ተባሂሉ፣ ኣስታት 1 ሚልዮን ዶዝ ነታ ሃገር ብተመሳሳሊ መስርሕ ተቐሪቡላ ኣሎ።

ዛጊት ዝኾነ ግብረ መልሲ ዘይሃበት ሰሜን ኮርያ፣ ነዚ ብፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ዘሎ ብዝሒ ክትቅበሎ ፍቓደኛ እንተኾይና፣ ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራትን መወልቲ ሃገራትን ዝርርብ ክካየድ ከምዝኽእል ይእንፈት።

ሰሜን ኮርያ፣ እቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝፈረየ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ፣ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ስለዘይፍለጥን፣ ሓገዝ ንምርካብ ድማ ቅድመ ኩነታት ከይህሉን ካብ ዝብል ስግኣት፣ ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተማእከለ፣ ክታበታት ናይ ምብጽጻሕ መደብ ኮቫክስ ክትጽንበር ከምዘይወሰነት’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ዘይጀመራ ክልተ ሃገራት፣ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ጥራይ’የን።

ይኹን’ምበር እዘን ንዜጋታተን ካብ ክታበት ሓሪመን ዝርከባ ሃገራት፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣናተን፣ ጸረ ኮረና ቫይረስ ከምዝተኸትቡ ዘረጋግጽ ናይ መገሻታት መርትዖ ከምዘሎ ተጣበቕቲ የመልክቱ።

ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ፣ መሰል ኩሉ ዜጋ ክኸውን ውድብ ጥዕና ዓለም እማመ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0