ስሉሳዊ ዘተ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ

ስሉሳዊ ዘተ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ

Radio Erena: 06 September 2018

Updated

abiy iseyas formajoቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካዪዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ትማሊ 5 መስከረም፣ ብዓሰብ ኣቢሉ ኤርትራ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ከምዝተቐበሎ ወግዓዊ ልሳን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ንወደባት ዓሰብን ባጽዕን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ 71 ኪሎሜተር መስመር ጽርግያ ተዓዚቡ።

ወደብ ዓሰብ ጽገናታት ተገይሩሉ ኣብዚ ዝመጽእ ሒደት ሳምንታት ኣገልግሎቱ ክጅምር ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ።

 

ንሱ ብተወሳኺ፣ ነታ ኣብ ወደብ ባጽዕ ኣትያ ዘላ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ንግዲ መርከብ ከምዝበጽሓ ተገሊጹ። እታ ‘መቐለ’ ዝተሰምየት ናይ ንግዲ መርከብ፣ ከም ዚንጎ ዝኣመሰለ ፍርያት ዕደና ኤርትራ ዝኾነ 11 ሽሕ ቶን ጥረ ነገራት ሒዛ ናብ ቻይና ክትጎዓዝ ምዃና ይግለጽ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፋና፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ባጽዕን ዓሰብን ዑደቱ ወዲኡ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ፕረዚደት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተፈረመ ስምምዓት ተግባራውነቱ ዝቀላጠፈሉ ዘተ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ፕረዚደት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ትማሊ ኣማስያኡ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ካልኦት ሰበስልጣንን ተቐቢሎሞ።

ኣብዚ ኣቐዲሙ ብወግዒ ዘይተሓበረ ዑደት መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ናብ ኤርትራ፣ ኣብ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዘተ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳርን ዝምድናን ዘተኮረ ዛዕባታት ከምዝዘተዩ ይሕበር። ኣብ መወዳእታ፣ ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ባህላውን ጸጥታዊን መዳያት ክተሓባበሩ ስምምዕ ከምዝፈረሙ ይግለጽ።

እዚ ካብ ወርሒ ሓምለ ዝጀመረ ሓድሽ ዝምድና መራሕቲ ሰለስቲኤን ሃገራት ግሉጽነት ዝጎዶሎን ንህዝቢ ኤርትራ ዝጓነየን ብምዃኑ፣ ኣብ ሓያሎ ወገናት ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0