ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዳግማይ ተኸፊቱ

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዳግማይ ተኸፊቱ

Radio Erena: 06 September 2018

 emb eth ab asmera2ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዳግማይ ብወግዒ ተኸፊቱ።

ኣብ ምኽፋት እቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደት ኢሰያስ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ከምኡ’ውን ካልኦት ሰበስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ተረኺቦም።

ከምዝፍለጥ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወርሒ ሓምለ ተኸፊቱ’ዩ።

ኣብቲ ሓጺር ጽምብል ወግዓዊ ምኽፋት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ፣ ኣቶ ሪዱዋን ሑሴን ከም ኣምባሳደር ኮይኑ ከገልግል ተመዚዙ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0