ሳልሳይ መዓልቱ ኣብ ዘቑጸረ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ብድምር 11 ማዳልያታት ኣኻዒቢታ

Radio Erena: 25 March 2022

ኣብ ከተማ ሻርም ኣልሼኽ ግብጺ ዝሰላሰል ዘሎ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ዓርቢ 25 መጋቢት ንሳልሳይ መዓልቱ ብውድድር ክሮኖሜትር ምቕብባል ዝተሓናፈጸ ጾታታት (Mixed-Relay) ቀጺሉ ኣብ ዘርፈደሉ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሩር ሜዳልያ ተዓዊታ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ 42.6 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ቅድድም፡ ሞውሪሸስ ብ56 ደቓይቕን 30 ካልኢታትን ዝቐልጠፈት ጋንታ ኮይና ተዓዊታ።

ንሚኪኤል ሃብቶም፡ ዳዊት የማነ ኣኽሊሉ ገብረሂወት፡ ሞናሊዛ ኣርኣያ፡ ሚለና ያፌትን ፌቨን ሃይለን ዘሰለፈት ኤርትራ ከኣ፡ ብ53 ካልኢታት ተበሊጻ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ።

ክሳብ ሎሚ ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ውድድር ኤርትራ፡ 5 ወርቂ፡ 4 ብሩር ከምኡ’ውን 2 ነሓስ፣ ብድምር 11 ማዳልያታት ኣኻዕቢታ ኣላ።

ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ጽባሕ ቀዳም ጁንየር ተቐዳደምቲ ክልቲኡ ጾታታት ብዘካይድዎ ውድድር ጽርግያ ክቕጽል እዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0