ኤርትራ፣ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ 14 ማዳልያታት ኣንጠልጢላ

Radio Erena: 26 March 2022

ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሎሚ ቀዳም 26 መጋቢት ንራብዓይ መዓልቱ ብውድድር ጽርግያ ጁንየር ክልቲኡ ጾታታት ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ረዚን ዓወት ተጓናጺፎም።

ደቂተባዕትዮ ተቐዳደምቲ ኣብ ዘሰላሰልዎ 85.8 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝተጓዕዘ ውድድር፡ ዮኤል ሃብተኣንም ሚኪኤል ኣረፈን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ተኸታቲሎም ብምእታው፡ ንኤርትራ ወርቒን ብሩርን ሜዳልያታት ክስልምዋ ከለዉ፡ ደቂኣንስትዮ ተቐዳደምቲ ኣብ ዘሳለጥኦ ናይ 64.2 ኪሎ ሜትር ቅድድም ከኣ፡ ሮምና ጉዕሽ ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ካትሊን ቶምሰን ተኸቲላ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ብሩር ሜዳልያ ኣንጠልጢላ።

ክሳብ እዚ ዕለት ተቓኒዑ ኣብ ዘሎ ውድድር ኤርትራ፡ 6 ወርቂ፡ 6 ብሩር፡ 2 ነሓስ ሜዳልያታት ኣታዊ ጌራ።

እዚ ኣብ ከተማ ሻርም ኣልሼኽ ዝካየድ ዘሎ ጽባሕ ሰንበት ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን ተቐዳደምቲ ክልቲኡ ጾታታት ብዘካይድዎ ውድድር ጽርግያ ክፍጸም እዩ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0