ሱዳን ካብ ማዕቀብ ባይቶ ጸጥታ ንምድሓን ደገፍ ሩስያ ሓቲታ

ሱዳን ካብ ማዕቀብ ባይቶ ጸጥታ ንምድሓን ደገፍ ሩስያ ሓቲታ

Radio Erena: 26 November 2017

beshir_putinሱዳን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክመጻ ንዝኽእል ማዕቀብ ንምቅዋም ደገፍ ሩስያ ከምዝሓተተት ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ሩስያ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን ዝፈሪ ናይ ወርቂ ምህርቲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ከይሽየጥ ማዕቀብ ንኽገብር ኣመሪካ ጎስጓስ ትገብር ኣላ ክብል ወቒሱ።

ሩስያን ቻይናን ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ማዕቀብ ከየጽድቕ ክገብርኦ ዝጸንሓ ተቓውሞ ድሕሪ ምምስጋን ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ሕጂ’ውን ሩስያ ተቓውሞኣ ክትቅጽል ንቭላድሚር ፑቲን ተማሕጺኑ።

ዝበዝሐ ሃብቲ ነዳዲ ሒዛ ደቡብ ሱዳን ካብ እትንጸል ንደሓር፣ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ሱዳን ኣብ ዕደና ወርቂ እዩ ተሓጺሩ ዘሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ኣብ ከባቢ ዳርፉር ብስም ሓደ ናይ ቀቢላ መራሒ ዝተመዝገበ ዕደና ወርቂ ጥራይ ልዕሊ 53 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዓመት ኣታዊ ከምዘለዎ የመልክት።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0