ፈረንሳ፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ክካየድ ትጠልብ

ፈረንሳ፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ክካየድ ትጠልብ

Radio Erena: 24 November 2017

Paris manif

ፈረንሳ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ጠሊባ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ነቲ ዝሓለፈ ቅንያት ብመደበር ቴሌቪዥን ሲኤንኤን ዝቐረበ መሸጣ ደቂሰብ ኣብ ሊብያ ዘርኢ መደብ፣ ብወግዒ ድሕሪ ምኹናን፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ሊብያ ንዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ስደተኛታት ንምቅዋም፣ ብቀዳም 18 ሕዳር ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ሊብያ ሰፊሕ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

እቲ ንሓደ ሰብ ክሳብ 400 ዶላር እናተሸጠ ዘርኢ መደብ ድሕሪ ምፍናዉ፣ ኣንጻር እቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ መሸጣ ደቂሰብን ባርነትን ብደረጃ ዓለም ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ፕረዚደንት ማክሮን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣልፋ ኮንደ ኣብ ፓሪስ ተራኺቡ’ውን ብመንገዲ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን ደው ዝብለሉ መንገዲ ተዘራሪቡ።

እቲ ብጠለብ ፈረንሳ ተጸዊዑ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ ኣስታት 40 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝተገመተ ብዝሒ ኤርትራውያን ድሕሪ ዜጋታት ሶርያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

እንተኾነ፣ ኣብ ትሕቲ’ዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዘይተመዝገቡ ኣብ መዝርዓታት ተታሒዞም ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ’ውን ኣቐዲሙ ኣረሜናዊ ተግባር ክብል ገሊጽዎ’ዩ።

እንተኾነ፣ እዚ ኣብ ሊብያ ንስደተኛታት ገጢምዎም ዘሎ መከራታት፣ ውጽኢት ናይቲ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝኽተልኦ ዘለዋ ፖሊሲ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0