‘ሱዳን ኣብ ኣልፋሽጋ ተሪፉዋ ዘሎ መሬት ብሓይሊ ከተምልሶ ክትግደድ እያ’፡ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን

Radio Erena: 18 August 2021

ሱዳን ኣብ ኣልፋሽጋ ተሪፉዋ ዘሎ መሬት ብሓይሊ ከተምልሶ ክትግደድ እያ ክብል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ገሊጹ።
ላዕለዎት ሰበስልጣን ቆንስል መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝተረኽቡሉ መበል 67 ዓመት ጽምብል ምምስራት ሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደሉ ኣል-ቡርሃን፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕበና ዘሎ ዶባዊ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ገና እቲ መንገዲ ዘይተጸንቀቐ እኳ እንተኾነ፣ ሱዳን ነቲ መሬት ብሓይሊ ክትመልሶ ትግደድ ኣላ ክብል ገሊጹ።
‘እቲ ዶባዊ ምስሕሓብ፣ ዲፕሎማያዊ ፍታሕ ክረክብ ክንጽዕር ኢና፣ ግና ከኣ፣ ካልእ ኣማራጺ ከምዘሎ ክዝንጋዕ የብሉን’ ክብል’ዩ ኣልቡርሃን ንኲናት ከም ኣማራጺ ዘቕርብ ዘሎ።
ኣብ 2017 ንዞባ ኣልፋሽጋ ብዝምልከት ምስቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኢትዮጵያ ዘተ ተጀሚሩ ከምዝነበረ ዘመልከተ ኣልቡርሃን፣ እንተኾነ ናይ ሽዑ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ክመጾም ካብ ዝኽእል ሕቶታት ንምምላጥ ነቲ መስርሕ ኣደናጉዮሞ ክብል ይኸስስ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዓብደላ ሓምዶክ ብወገኑ፣ ‘ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ጉርብትና ክህልወና ድሌትና እዩ፣ ስድሪ መሬትና ኣሕሊፍና ክንህብ ግና ፍቓደኛታት ኣይኮንናን’ ኢሉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ናይ ቱርኪ ዑደቱ ድሕሪ ምዝዛሙ ሒደት መዓልታት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ወግዓዊ ዑደት ንምፍጻም ናብ ቱርኪ ከምርሕ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ብዝገበረሉ ወግዓዊ ዕድመ እዩ ንረቡዕ ናብታ ሃገር ዘምርሕ ዘሎ።
ማዕከናት ዜና ዓረብ ብዝህቦኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንምድልዳል ዝዓለመ ዘተ ከካዪዱ እዮም ዝብል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ቱርኪ ጸጥታን ርግኣትን ኢትዮጵያ ከምዘገድሳ ምግላጻ ብሓደ ወገን፣ ምስ መራሕቲ ሱዳን ከኣ ኣብ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዝምድና ክትምስርት ምስምማዓ በቲ ካልእ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ንዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ብኣሉታ ከይጸልዎ ስግኣት ኣሎ።
===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0