ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ትግራይ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዝውዕል ሓገዝ ልኢኻ

Radio Erena: 18 August 2021

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ትግራይ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዝውዕል ሓገዝ ልኢኻ።
ኣገልግሎት ዜና ኢማራት ብዘውጸኦ ሓበሬታ መሰረት፣ እታ ሃገር ምስ ዓለማዊ ውድብ መግቢ (WFP) ብምትሕብባር እያ ብነፋሪት ነቲ ሓገዝ ልኢኻ።
እዚ 200 ሜትሪክ ቶን ዝተገመተ ናይ መግቢ ረዲኤት፣ ነቶም ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ኣካላት ሕብረሰብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኽባጻሕ፣ ዓለማዊ ውድብ መግቢ ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሓሉ ከምዘሎ እቲ ኣገልግሎት ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ኢማራት ኣብ ኢትዮጵያ መሓመድ ሳልም ኣል-ራሺዲ፣ ሃገሩ ንኩነታት ትግራይ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ብምሕባር፣ እቲ ዝለኣኽ ዘሎ ናይ መግቢ ሓገዝ ከኣ ብፍላይ ነቶም ቀንዲ ግዳያት ዝኾኑ ህጻናት፣ ኣዴታትን ኣረጋውያንን ብቕልጡፍ ክበጽሖም ዘለዎ እምነት ገሊጹ።
WFP ብወገኑ፣ ነቲ ሓገዝ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምርካቡ ዝተሰመዖ ሓጎስ ብምግላጽ፣ ድሮ ኣዳልዩዎ ምስ ዘሎ ከም ነዳዲን ካልእ ቀረባትን ብምጥርናፍ፣ ብመካዪንን ካልእ መሳለጥያታትን ብምጥቃም፣ ናብቲ ተጠቒዑ ዘሎ ህዝቢ ከባጽሖ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ብነፋሪት ኣብ ዝለኣኸትሉ፣ ቀጥታዊ በረራ ናብ ከተማ መቐለ እያ ተጠቂማ።
ብተመሳሳሊ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ንኽምለስ፣ ኩሎም ወገናት ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ናይ ዘተ መኣዲ ክምለሱ ጸዊዑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0