ሱዳን ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዜጋታታ ዝወርድ ግፍዒ ተቓዊማ

ሱዳን ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዜጋታታ ዝወርድ ግፍዒ ተቓዊማ

Radio Erena: 25 January 2018

sudanese in libyaመንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዜጋታቱ ንዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት መግትኢ ክገብረሉ፣ ንከተማ ጣራብሎስ ተቖጻጺሩ ዝርከብ መንግስቲ ሊብያ ጸዊዑ።

እቲ መንግስቲ ነዚ መጠንቀቕታ ዘቕርብ ዘሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፣ ሊብያውያን ንሓያሎ ሱዳናውያን እናጋፍዕዎም ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ድሕሪ ምዝርግሑ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሊብያ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ፣ ዜጋታት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግፍዕታት ብምኹናን፣ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎን ንከተማ ጣራብሎስ ዝቖጻጸርን መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ሱዳን ክሕሉን ኣተሓሳሲቡ።

ድሕሪ’ዚ ናይ መንግስቲ ሱዳን መጠንቀጥታ፣ መንግስቲ ሊብያ ሱዳናውያን ብምግፋዕ ዝተጠርጠሩ’ዮም ንዝበሎም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ሊብያውያን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ሓሊኖም ዝመጹ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታትን ኢሰብኣዊ ተግባራትን ይፍጽሙ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0