ሱዳን ንኢትዮጵያዊ ጀነራል ናይ ወተሃደራዊ ዓወት መዓርግ ሽልማት ሂባ

ሱዳን ንኢትዮጵያዊ ጀነራል ናይ ወተሃደራዊ ዓወት መዓርግ ሽልማት ሂባ

Radio Erena: 24 September 2017

 samoraመንግስቲ ሱዳን ንኢትዮጵያዊ ጀነራል ሳሞራ መሓመድ የኑስ፣ ናይ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ዓወት መዓርግ ሽልማት ከምዝሃበት ተገሊጹ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሳሞራ መሓመድ የኑስ ነቲ መዓርግ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ካብ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር እዩ ተረኪቡዎ።

 

መንግስቲ ሱዳን ነዚ ናይ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ዓወት ሽልማት ንጀነራል ሳሞራ ዝሃበሉ ምኽንያት፣ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላውን፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምሕያልን ብዝተጻወቶ ተራ ምዃኑ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ኢትዮጵያዊ ጀነራል፣ ካብ ካራይ ዩኒቨርሲቲ ሱዳን እውን፣ ናይ ክብሪ ዶክተረይት መዓርግ ተቐቢሉ’ዩ።

ወተሃደራዊ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ’ተን ሃገራት ሰላምን ምርግጋእን ንኽሰፍን ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ወተሃደራዊ ዝምድና’ዘን ሃገራት ንካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብነት ክኸውን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0