ነዘርላንድስ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽል ተገሊጹ

ነዘርላንድስ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽል ተገሊጹ

Radio Erena: 24 September 2017

Dutch_tax            ነዘርላንድስ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝእክቦ ግብሪ 2 ካብ ሚእቲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጻ፣ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክስዕብ ከምዝኽእል’ውን ተገሊጹ።

 

            ካልኣይ ባይቶ ነዘርላንድስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝእከብ ግብሪ ክጻረይ ብዝጠለቦ መሰረት ዝቖመት ጉጅለ፣ ኣብ ነዘርላንድስ፣ ኢጣልያ፣ ኖርወይ፣ በልጅዩም፣ ጀርመን፣ ሽወደንን ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝረኸበቶ ጸብጻብ መሰረት’ዩ እቲ መጽናዕቲ ተኻዪዱ። 

             እቲ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ግብሪ ዘይሕጋዊ ካብ ዝገብሮ ምኽንያታት ሓደ፣ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ሓይልን ምፍርራህን ዝተሓወሶ ምዃኑ ይጠቅስ።

             ኣብ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ዝእከብ እዚ ግብሪ ክልተ ሚእታዊት፣ ወግዓዊ መግለጺ ክወሃበሉ ንመንግስቲ ኤርትራ እኳ እንተሓተተት፣ እታ ጉጅለ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝሃቦ ምላሽ፣ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዝሃበን፣ ሕጂ ከም ሓድሽ ሕቶ ምቕራቡ፣ ከም ምትንዃልን ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ከምዝርእዮ ይገልጽ።

 

             ኤርትራውያን ኣብ ዘዝነብሩሉ ሃገር ምስቲ ህዝቢ ከይወሃሃዱ ከም ጠንቂ ዝረኣይ እዚ ምኽፋል 2%፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለ ክኸውን እንከሎ፣ መን ክንደይ ይኸፍል ዝውስን እቲ ኤምባሲ ወይ ቆንስል ዘይኮነ፣ ከም ወኪል ህግደፍ ኮይኑ ዝምዘዝ ውልቀሰብ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የረድእ።

             ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተጀመረ ዝንገረሉ ምኽፋል ግብሪ 2% ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዜጋታቱ ካብ ሃገር ምስ ወጹ ኣንጻሩ ከይንቀሳቐሱ፣ ንቤተሰብ’ውን ከም ጅሆ መትሓዚ ከምዝጥቀመሉ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላትን ፖለቲከኛታትን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

            እዚ ናብ ፓርላማ ነዘርላንድስ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ዝኾነ ኤርትራዊ ግብሪ 2% ክኸፍል ዘስገድድ ወይ ምፍርራህ እንተገጢሙዎ ብቕጽበት ኣብ ከባቢኡ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከመልክት’ውን ይምሕጸን።

 

ሃገራት ኤውሮጳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃናጺ ልዝብ ዝብል ፖሊሲ እንተጸኒዐን፣ ብውሑዱ ነዚ ምኽፋል ግብሪ ከም ሓደ መራኸቢ ኣርእስቲ ክወስድኦ፣ መንግስቲ ኤርትራ እንተዘይተሓባቢሩ ከኣ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ዝውሰደሉ መንገዲ ክናደ፣ እታ መጽናዕቲ ዘካየደት ጉጅለ ጸብጻባ ናብ ፓርላማ ነዘርላንድስ ኣቕሪባ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0