ሱዳን፣ ብክሲ ስለያ ን20 ዓመታት ክእሰር ዝፈረደቶ ዜጋ ቸክ ሪፖብሊክ ምሕረት ጌራትሉ

Radio Erena: 02 March 2017

Czech

ሱዳን ብክሲ ስለያ ኣሲራቶ ዝጸንሐት ዜጋ ቸክ ሪፖብሊክ ናጻ ከምዝፈወነቶ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቸክ ሪፖብሊክ ኣፍሊጡ።

እቲ ፐትር ጃሰክ ዝተባህለ ወጻእተኛ፣ ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምእታዉን ብስለያን ተኸሲሱ’ዩ ኣብ ታሕሳስ 2015 ተኣሲሩ።

ቤት ፍርዲ ሱዳን፣ ነቲ ዜጋ ቸክ ሪፖብሊክ ዝኾነ ውልቀሰብ ብዝቐረበሉ ዝተፈላለየ ክስስታት ገበነኛ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ብምርግጋጽ ን20 ዓመታት ክእሰር ወሲንሉ።

ይኹን’ምበር፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቸክ ሪፖብሊክ ሉቦሚር ዛኦራለክ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ነቲ እሱር ምሕረት ከምዝገበረሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ኣረጋጊጹ።

ፐትር ጃሰክ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ይፍጸም’ዩ ንዝበሎ ግፍዕታት ብፊልም ንምስናድ ናብ ሱዳን ከምዝኣተወ’ዩ ዝንገረሉ።

ሰበ ስልጣን ቸክ ሪፖብሊክ እቲ ኣዳላዊ ፊልም ዝኾነ ዜግኦም ናብ ሱዳን ዝኣተወሉ ምኽንያት፣ ንኣመንቲ ክርስትና ንምሕጋዝ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0