ንሓንቲ ሽወደናዊት ኣደ ምስ ወዳ ዝቐተለ ኤርትራዊ፣ ዝተፈርዶ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ ክቕጽሎ ይሓትት

Radio Erena: 02 March 2017

Prison

ኣብ ሽወደን፣ ኣቝሑ ገዛ ኣብ ዝሽየጠሉ ትካል ‘ኢኪኣ’ ንሓንቲ ሽወደናዊት ኣደ ምስ ወዳ ዝቐተለ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ዝተፈርዶ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ ክቕጽሎ ይሓትት ምህላዉ ጠብቕኡ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ጠበቕኡ ንማዕከናት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ኤርትራዊ ብዝፈጸሞ ገበን ንሕልፈት ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሽወደን እኳ እንተሎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ብእሱራት ብዝወርዶ ዘሎ ማህረምቲን ካልእ ምፍርርሃትን’ዩ ናይ ሕልፈት ማእሰርቱ ኣብ ኤርትራ ክፍጽም ዝሓትት ዘሎ።

እቲ ኣብራሃም ዑቕባጋብር ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት ኤርትራዊ፣ ዘቕረቦ ናይ ዑቕባ ሕቶ ብመንግስቲ ሽወደን ድሕሪ ምንጻጉ፣ ብ10 ነሓሰ 2015፣ ናብቲ ኣቑሑ ዝሽየጠሉ ትካል ብምዃድ፣ 55 ዓመት ንዝዕድሚኣ ኣደን 28 ዓመት ንዝዕድሚኡ ወዳን ብኻራ ወጊኡ ከምዝቐተሎም ይዝከር።

እቲ መንእሰይ፣ ድሕሪ ዝፈጸሞ ቅትለት ንጹሃት ሰባት፣ ህወይቱ ባዕሉ ንምጥፋእ ንገዛ ርእሱ ብኻራ እኳ እንተጨንድሐ፣ ኣብ ሆስፒታል ተወሲዱ ብዝተገብረሉ ሕክምና ካብ ሞት ክድሕን ከምዝኸኣለ ይፍለጥ።

ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጽኡ፣ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ግዝያዊ ስራሕ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊሩ ከምዝነበረ ዝተገልጸ ኣብርሃም፣ ኣብ ኢጣልያ ዑቕባ ዝሓተተሉ ናይ ኣጻብዕቱ ኣሰር ስለዝተረኽበ’ዩ መንግስቲ ሽወደን ናይ ዑቕባ ሕትኡ ነጺግዎ።

ናብ ኢጣልያ ክጥርዞ ምዃኑ ድሕሪ ዝሃቦ ሓበሬታ ከኣ፣ ናብ ትካል መፍረ ኣቑሑ ‘ኢኪኣ’ ብምኻድ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሕዎ ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ።

እቲ መንእሰይ፣ ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ይሓትት እኳ እንተሎ፣ ካብ ወገን መንግስታት ሽወደንን ኤርትራን ዛጊት ውዱእ መልሲ ኣይተረኽበን።

ክፍሊ ፍትሕን ሕግን ሽወደን፣ እቲ ገበነኛ ናብ ሃገሩ ተሰጋጊሩ ዝእሰረሉ መንገዲ ንምንዳይ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ጀሚሩ ከምዘሎ ‘ብሪትባርት’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና የመልክት።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ብቕትለት ክልተ ሰለማውያን ሰባት ንሕልፈት ዝተፈርደ ዜጋኡ ማእሰርቱ ኣብ ኤርትራ ንኽቕጽል ክቕበሎ ድዩ ወይስ ክነጽጎ ሓበሬታ ኣይሃበን።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0