ሱዳን ብኢጋድ ዝተወደበ ኣኼባ ነጺጋ

Radio Erena: Wednesday 17, January 2024

ሱዳን ብኢጋድ ዝቐረበ ንክልቲኦም ወገናት ናብ ዝርርብ ዝዕድም እማመ ነጺጋ።

ኣልቡርሃን ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ውድብ ብወገናውነትን ኣብ “ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን” ጣልቃ ክኣቱ ከምዝደሊን ከሲሱ ነይሩ።

ሓላፊ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ጀነራል ሓሚቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣባላት ኢጋድ ዝርከብአን ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዑደት ከምዝገበረ ይዝከር።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብዲፕሎማስያዊ መዳይ ዘለዎ ተነጽሎ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራዊቱ ብሰንኪ ገስጋስ ፈጣን ሓይልታት ካብ ዝበዝሐ ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ ከተማታት ሱዳን ከምዘንሰሓቡ ይፍለጥ።

ኣልቡርሃን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ሓሚቲ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ሱዳን ኣብ ዝፍጸም ግፍዒ ተሓባበርቲ ምዃኖም ይኸስስ።

ብሰሉስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብምትእኽኻብ ልምዓት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ን18 ጥሪ ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ፣መንግስቲ ሱዳን ከምዘይሳተፍ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ፡ ኣባላት መራሕቲ ሃገራትን መንግስትን ኣብ ዝሳተፍሉ ኣኼባ ንጀነራል ሓሚቲ ምዕዳም ነቲ ዕጡቕ “ሚሊሻ” ሕጋውነትን ኣፍልጦን ዝህብ’ዩ ክብል ቅሬታኡ ገሊጹ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0