ሱዳን ምስ ግብጺ ዘለዋ ወጥሪ ተጋድድ ኣላ ክብሉ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ወቒሶም

ሱዳን ምስ ግብጺ ዘለዋ ወጥሪ ተጋድድ ኣላ ክብሉ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ወቒሶም

Radio Erena: 08 January 2018

Egypt Parlia

መንግስቲ ሱዳን ብጉዳይ ዶብ ሓላይብ ምስ ግብጺ ንዘለዎ ምስሕሓብ የጋድድ ኣሎ ክብሉ ኣባላት ባይቶ ግብጺ ንማዕከናት ዜና ዓረብ ኣብ ዝህብዎ ዘሎ መግለጺታት ወቒሶም።

እቶም ኣባላት ባይቶ ነዚ መግለጺታት ዝህቡ ዘለዉ፣ መንግስቲ ሱዳን ብሓሙስ 4 ጥሪ ኣብ ካይሮ ንዝነበረ ኣምባሳደሩ ድሕሪ ምስሓቡ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኣምባሳደሩ ናብ ካርቱም ዝጸውዖ፣ ተወሳኺ ምምኽኻር የድሊ ኣሎ ብዝብል ጉልባብ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ስጉምቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝጸንሕ ልሕሉሕ ዝምድና ናብ ምብታኽ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ዝንፍት ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ግብጺ ግብሪ መልሲ ናይቲ ሱዳን ኣምባሳደራ ንምስሓብ ዝወሰደቶ ውሳኔ ዛጊት ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ እኳ እንተዘይወሰደት፣ ኣብዚ ዝመጽእ መዓልታት ዝህሉ ምዕባለታት ነቲ ኩነታት ክውስኖ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ሱዳንን ግብጺን ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐን ኣብ ጉዳይ ናይል ዘለወን ዘየሰማምዕ ነጥብታት፣ ብዋንነት ናይቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ሓላይብ’ውን ይስሓሓባ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ነዚ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት እኳ እንተተወስደ ዝኾነ ፍረ ክርከቦ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ እቲ ምትፍናን እዘን ሃገራት መመሊሱ’ዩ ዝብእስ ዘሎ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0