መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ዓጽዩ

መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ዓጽዩ

Radio Erena: 07 January 2018

janjawidመንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ከምዝዓጸዎ፣ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዘርገሐ ዜና፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ነቲ ዝተዘርገሐ ዜና ናይ ኣሉታ መልሲ ሂቡሉ’ኳ እንተነበረ፣ ትማሊ ቀዳም 6 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከን ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ካብ ፕረዚደንት ብዝመጾ ትእዛዝ መሰረት፣ ካብ ዕለት 5 ጥሪ ምሸት ጀሚሩ፣ እቲ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ደቡባዊ ምብራቕ ዶብ ሱዳን ከምዝተዓጽወ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፣ መንግስቲ ሱዳን፣ እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ብምልሻ ጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ኤስ.ኣር.ኤፍ ናብ ዶባት ኤርትራ ከምዘጸገዖ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ መንግስቲ ሱዳን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ፣ ምንቅስቓስ’ቲ ዕጡቕ ምልሻ፣ ንዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣጽዋር፣ ዕጸፋርስን፣ ምስግጋር ደቂሰብን ንምቁጽጻር ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፣ ምንቅስቓስ ምልሻ ኤስ.ኣር.ኤፍን፣ ምዕጻው ዶብ ሱዳንን ኤርትራን፣ ነቲ ኣቐዲሙ ብፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተኣወጀ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ተኸቲሉ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁጽጻር ዝዓለመ ደኣምበር፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ወተሃደራዊ፣ ዲፕሎማስያዊ ይኹን ፖለቲካዊ ጎንጺ ከምዘየለ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፣ ቀዳማይ ምኽትል ፕረዚደንት ሱዳን በክሪ ሓሰን ሳልሕ ናብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ዘካየደሉ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ንሓባራዊ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ብምልዓል ከምዝዘተየ ዝዝከር’ዩ።

እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ግዜ፣ ዛጊት ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ዝኾነ መብርሂ የለን።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0