ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ መስመራት ብወግዒ ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ መስመራት ብወግዒ ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 31 January 2019

ፕርዚደንት ሱዳን በሺር፣ ሎሚ ሓሙስ 31 ጥሪ፣ ካብ ከሰላ፣ ብመንገዲ ቴሌዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ፖለቲካ ክፈላልየና ኣይግባእን ድሕሪ ምባሉ፣ ምስ ኤርትራውያን ዘሎና ኣሕዋት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነዚ ዶብ ንኸፍቶ ኣሎና ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ 2017፣ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርውዶዋን ናብ ሱዳን ድሕሪ ምብጽሑ፣ ምስ ግብጺ ዝነበረ ምፍጣጥ ናብ ዝልዓለ ደረጃ ኣብ ዝዓረገሉ፣ ሱዳን ብግብጺን ኤርትራን ስግኣት ከምዘለዋ ብምጥቃስ፣ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ መስመራት ክዕጾ ከምዝወሰነት ይዝከር።

ኣብ እዋኑ መግለጺ ዘይሃበሉ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ድሕሩ፣ መንግስቲ ሱዳንን ቀጠርን ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣንጻር ኤርትራ ተጻብኦታት ይኣልማ ከምዘለዋ ዝነግር ሓተታ ኣውጺኡ ኔሩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ዘጽንዖ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፣ ንተወሳኺ ስዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ኣብ ሓድሽ ዓመ ወሲኑ’ዩ።

ኣብ ከሰላን ከባቢኡ ንፕረዚድነት በሽር ዝቓወምን ዝድግፍ ሰልፍታት ክካየድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ፕረዚደንት ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ብወግዒ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ’ውን፣ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መልእኽቲ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0