ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንት ጀርመን፣ ብሰንኪ ምብልሻው ነፋሪት ዑደቱ ተናዊሑ

ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንት ጀርመን፣ ብሰንኪ ምብልሻው ነፋሪት ዑደቱ ተናዊሑ

Radio Erena: 31 January 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ጀርመን ፍራንክ ቫልተር ስተይንሚየር፣ ብሰንኪ ምብልሻው ነፋሪት ዑደት ከምዝተናውሐ ተፈሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ሃገር ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደቱ ዛዚሙ፣ ብሮቡዕ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተበገሰሉ፣ ነፋሪት ቴክኒካዊ ጸገም ስለዘጋጠማ፣ ናብ ሆቴሉ ክምለስ ከምዝተገደደ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ኣረጋጊጸን።

ብፕረዚደንት ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ጀርመን ዘሰነዩ 55 ሰባት’ውን ብተመሳሳሊ፣ ናብ ሆቴላቶም ክምለሱ ተገዲዶ’ዮም።

Airbus A340 ዝዓይነታ ዋንነታ ናይ መንግስቲ ጀርመን ዝኾነት ነፋሪት፣ ዝገጠማ ቴክኒካዊ ጸገም ኣብ ቦሌ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ጽገና ይካየደላ ኣሎ።

 

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣቐዲሙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣብ ዝነበረሉ፣ ኣብ 2014፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ተመሳሳሊ ጸገም ገጢምዎ ኔሩ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ 2006፣ ኣብ ቻይና ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም ነፋሪት ንሽዱሽተ ሰዓታት ከምዝተደናጎየ ይጥቀስ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፣ ኣብ ዋዕላ ጉጅለ 20 ናይ ቁጠባ ዓርሞሽሽ ሃገራት ንምስታፍ፣ ናብ ብራዚል ዝተበገሰት ቻንስለር ጀርመን ኣንግላ መርከል፣ ብሰንኪ ምብልሻው ነፋሪት፣ ጉዕዞኣ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0