ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ መስሪታቶ ዘላ ጥቡቕ ዝምድና ዘሻቀላ ግብጺ፣ ንላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ሱዳን ናብ ካይሮ ትዕድም

ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ መስሪታቶ ዘላ ጥቡቕ ዝምድና ዘሻቀላ ግብጺ፣ ንላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ሱዳን ናብ ካይሮ ትዕድም

Radio Erena: 23 August 2017

Sud Egy Generals

ብሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓዋድ መሓመድ ኣሕመድ ቢን ዑፍዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሱዳን፣ ፕረዚንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብ ካይሮ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ሚኒስተር ብሰኑይ 21 ነሓሰ ካይሮ ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲን ካልኦት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ እታ ሃገር ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለየ ጸጥታውን ወትሃደራውያን ኩነታት ከምዝዘተየ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ኣብቲ ርክብ፣ ግብጺ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ጣልቃ ክትኣቱ ይኹን ንጻር ሱዳን ውዲታት ክትኣልም ዝኾነ መደብ ከምዘይብላ፣ ፕረዚደንት ሲሲ ንልኡኽ ሱዳን ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ግብጺ ንተቓወምቲ ሱዳን ትድግፍ ኣላ ክብል ዘቕረቦ ክሲ፣ ፕረዚንት ኣል ሲሲ ሃገሩ ኣንጻር ሱዳን ዝኾነ መደብ ከምዘይብላ ክሕብር፣ ኣብዚ ናይ ሰኑይ ርክብ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሱዳን ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታን ወትሃደራውን ጉዳያት’ውን ከይተረፈ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ዝበጽሐት ሱዳን፣ ብወገና፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ኣንጻር ግብጺ ዝቀንዐ መርገጺታት ከምዘይትወስድ ኣብዚ ናይ ካይሮ ርክባ ኣፍሊጣ ኣላ።

ብጉዳይ ናይል ዝሰሓሓባ ዘለዋ ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ካብ ጎረባብትን ናይል ዘዋስነን ሃገራትን ደገፍ ንምርካብ ኣብ ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ’የን ተጸሚደን ዝርከባ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0