ግብጺ፣ ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ዝሓዘቶም 21 ኤርትራውያን ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ኣረኪባ

ግብጺ፣ ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ዝሓዘቶም 21 ኤርትራውያን ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ኣረኪባ

Radio Erena: 23 August 2017

Egypt 21

ፖሊስ ግብጺ፣ 21 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 47 ሰባት ጽዒና ናብ ኢጣልያ ዝተበግሰተ ጃልባ ከምዝሓዙ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብታ ቅድሚ ምብጋሳ ኣብ ዞባ ከፈረ ሸኽ፣ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ኣል በርለስ ዝተታሕዘት ጃልባ፣ ሽዱሽተ ደቂንስትዮን ክልተ ቆልዑን ከምዝነበሩ ዝሓበረ ፖሊስ ግብጺ፣ ነቶም ኤርትራውያን ኣብ ካይሮ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ከምዘረከቦም ሓቢሩ።

ወነንቲ እታ ጃልባ ዝኮኑ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፉ ክልትተ ግብጻውያን ከኣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ክሲ ተመስሪትሎም ኣሎ።

እታ ጃልባ ኣብ ዝተታሕዘትሉ እዋን፣ በቶም ኣቐዲሞም’ውን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ክነጥፉ ከምዝጸንሑ ክልተ ግብጻውያን ዝውነን ጠበናጂ’ውን ተታሒዙ ከምዘሎ ጸብጻብ ፖሊስ እቲ ዞባ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

ብገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደገኛ እናኾነ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ገሊኦም ኣሰጋገርቲ ወይ ሰምሰርቲ ነቶም ካብ ሱዳን ዘበግስዎም ስደተኛታት ብመንገዲ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ከሰጋግርዎም’ዮም ዝፍትኑ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0