ሱዳን፣ 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ድሕሪ ምኽፋላ፣ ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ክትስረዝ’ያ

Radio Erena: 21 October 2020

ሱዳን፣ ካብ መዝገብ መወልቲ ግብረ ሽበራ ንኽትስረዝ፣ 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከምዝኸፈለት ኣፍሊጣ።

እቲ ካሕሳ፣ ንግዳያት ናይቲ ኣብ 1998 ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ጉጅለታት፣ ብመንገሲ ሱዳን ዝተመወሉ’ዮም ብዝብል፣ ኣብ ልዕሊኣ ከቢድ ቁጠባዊ እገዳ ኣጽኒዓ ጸኒሓ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ እቲ ንቁጠባ ሱዳን ዘውደቐ እገዳ ንኽልዓል፣ ስምምዕ ከካይድ፣ዩ ጸኒሑ።

ኣመሪካ ከም ቀዳማይ ነጥቢ ዘቕረበቶ፣ ካሕሳ ንግዳያት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኤምባሲታት ኬንያን ታንዛንያን’ዩ።

ሱዳን ድማ ብመሰረት እቲ ኣመሪካ ዘቕረብቶ ጠለብ፣ ነቲ 335 ሚልዮን ዶላር ብ19 ጥቅምቲ ናብ ከምዝኸፈለቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ’ዚ ድማ፣ ኣመሪካ፣ ንሱዳን ሽበራ ካብ ዝምውላ ሃገራት ክትስርዛ ምዃና፣ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣረጋጊጹ።

ሱዳን ዝተሓተተቶ ካልእ ነጥቢ፣ ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት ዝብል ምዃኑ ክግለጽ እንተጸንሐ፣ ኣብ ግብሪ ገና ኣይተራእየን ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0