ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ዝመጽእ ዓመት ናብ በረራ ንምምላሱ ይስርሓሉ ኣሎ

Radio Erena: 20 October 2020

ምስ ለበዳ ኮረናቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ብክራይ ዘምጻአን ክልተ ነፈርቲ፣ ኣብ ጋራዥ ዓሺጉ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ዳግም ናብ በረራ ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ናጽነት ብስም ጥራይ ዝቖመ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ኣብ 2003፣ ብሓንቲ ነፋሪት ንመጀመርያ እዋኑ ናይ መጓዓዝያ በረራ ክህብ ካብ ዝጀመረሉ ኣትሒዙ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ብውሕዱ ኣርባዕተ ግዜ ካብ ስራሕ ደው ኢሉ’ዩ።

ኣውራ ጠንቂ ናይዚ ድማ ሰኣን ብቑዕ ምሕደራ ምዃኑ ክኢላታት ብተደጋጋሚ ይገልጹ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ካብ 2012 ንደሓር፣ ካብ ያን ኣየር ናይ ዩክሬን፣ ኣየር ባስ ዝዓይነታ ነፋሪት ብክራይ ኣምጺኡ ኣገልግሎት ምሃብ እኳ እንተጀመረ፣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ውሕስነት የብላን ብምባል ናብ ክሊ ኣየረን ከይኣቱ ከልኪለንኦ’የን።

ይኹን’ምበር እቲ መንገዲ ኣየር፣ ምስ ካልኦት ንኣሽቱ ትካላት ብምሽራኽ፣ ናብ ከም ዱባይ፣ ሱዳንን ግብጺን ዝኣመሰላ ሃገራት ክበርር ጸኒሑ’ዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ’ውን እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ኣዲስ ኣበባ በረራታት ከምዝጀመረ እኳ እንተሓበረ፣ ነዊሕ ታሪኽ ብዘለዎን ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ብሉጻትን ብዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ዩ ተዋሒጡ።

ካብ ሚያዝያ 2020 ኣትሒዙ ድማ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንጥፈታቱ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድሕሪ 7 ኣዋርሕ፣ ዳግም ንምብጋስ፣ ፈጸምቲ ኣካላቱ ተደጋጋሚ ኣኼባታት የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ናብተን ኣቐዲሙ መስመር ዝጸንሖ ሃገራት፣ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2021 ዳግም በረራ ንምጅማር መደብ ከምዘለዎ’ዮም እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ዝእንፍቱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Biniam Ghebremichael 4 years ago

    The ban is on Eritrean Civil Aviation not on Eritrean Airlines. The EU ban in 2012 was on aircraft registered in Eritrea. Eritrean Airlines was flying to Europe using leased aircraft.