ሱዳን፣ 130 ናይ ንግዲ ትካላት ገንዘብ ከየንቀሳቕሳ ተኣጊደን

ሱዳን፣ 130 ናይ ንግዲ ትካላት ገንዘብ ከየንቀሳቕሳ ተኣጊደን

Radio Erena: 01 February 2018

closed shops in khartumመንግስቲ ሱዳን፣ ን130 ናይ ንግዲ ትካላት ገንዘብ ካብ ባንክ ከየንቀሳቕሳ ከምዝኣገደን ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ-ኣናዶሉ ሓቢሩ።

እተን ብማእከላይ ባንክ ሱዳን ገንዘብ ከየንቀሳቕሳ ተኣጊደን ዘለዋ ትካላት፣ ኣብ ምምጽኣን ምልኣኽን ዝነጥፋ’የን።

እተን ትካላት ገንዘብ ከየንቀሳቕሳ ዝተኣገዳሉ ምኽንያት፣ ግቡእ ኣታዊታት ግብሪ ንመንግስቲ ኣይከፈላን ብዝብል ምኽንያት ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ካብ ናይ ሰደድ ግብሪ 3.1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ዝረኸበት ሱዳን፣ ቁጠባኣ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ምንቁልቋል መጠን ሸርፊ ባጤራኣን ዘይሕጋዊ ሓዋላን ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝበኣሰ ከይወድቕ ተሰጊኡ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ መጠን ሸርፊ ባጤራ ምስ ናይ ጸሊም ዕዳጋ ንምትዕርራ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝገበሮ ወሰኽ፣ እወታዊ ናይ ለውጢ ምልክታት ከምዘይተራእዮ ክኢላታት ቁጠባ እታ ሃገር ኣገንዚቦም።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዝወድቕ ዘሎ ቁጠባ ንምድሓን፣ ኣብ ከም ፊኖን ነዳዲን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማታት ድሕሪ ምልዓሉ፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

ብሰንኩ ንዝተራእየ ወሰኽ ዋጋታት ባንን ካልእ መሰረታውያን መግብታትን ንምቅዋም ህዝቢ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ሰለማዊ ሰልፊ ከካይድ ከምዝቐነየ ይዝከር።

============================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0