ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት 5.5 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት 5.5 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም

Radio Erena: 01 February 2018

 displacement ppኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት 5.5 ሚልዮን ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ መነባብርኦም ከምዝተፈናቐሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ካብቶም 5.5 ሚልዮን ዜጋታት እቶም 4.1 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ኮይኖም እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ጎረባብትን ካልኦት ሃገራትን ዝተሰዱ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ኣብ ዓመተ 2017፣ ብደረጃ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ምፍንቓል ደቂ ሰብ ዝተራእየሉ ዞባ፣ ሽዱሽተ ሃገራት ዝሓቖፈ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ብኡ መጠን ከኣ እቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝተዓቝብሉ ዞባ’ዩ።

ጠንቒ ምፍንቓል ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኵናት፣ ደርቂን ፖለቲካዊ ስርዓታትን ምዃኑ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ተመዛበልቲ ንጾታዊ ዓመጽ፣ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ፣ ሕማማትን ካልእን ከምዝተቓልዑ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ ኣብዚ ዞባ 5.2 ሚልዮን ቆልዑን ኣዴታትን ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ከምዝተጠቕዑ ኣመልኪቱ።

መብዛሕቶም እዞም ግዳያት ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ከኣ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ከምዝርከቡ ጠቒሱ።

ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 15 ሽሕ ቆልዑ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ከምዝተጠቕዑ ምግላጹ ይዝከር።

ብስደትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ቀዳሚ ቦታ ሒዙ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሶማልን ኬንያን ዝሓቖፈ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0