ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሺር ንእምላይ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዝልዓለ ናህሩ ይቕጽል

ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሺር ንእምላይ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዝልዓለ ናህሩ ይቕጽል

ህዝቢ ሱዳን፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት በሺር ንምእላይ ዘካይዶ ዘሎ ተቓውሞ ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽሎ ኣሎ።

ነዚ ኣብ መላእ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ታሕተዎት መኮንናት ዝርከብዎም ኣባላት ሰራዊት ብብዝሒ ይጽንበርዎ ምህላዎም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

ፖለቲካውያን ውድባት ሱዳን ብወገነን፣ ኣብታ ሃገር ከቢድ ዕንወት ከይበጽሐ፣ ፕረዚደንት በሽር ስልጣኑ ብወለንትኡ ክሓድግን፣ ስልጣን ኣብ ናይ ምስግጋር መስርሕ ድማ ክተሓጋገዛን ይሓታ ኣለዉ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዘለዎ መራሕቲ ሓደ ዝኾነ ፕረዚደንት በሺር፣ መንበሩ ንህዝቢ ከረክብ ቅሩብ ከምዘየለ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሃገራት ምዕራብ ይጠቕሱ።

እቲ ፕረዚደንት ሓይልታት ጸጥትኡ ብምውፋር፣ ለውጢ ንዝሓቱ ዘለው ሰልፈኛታት ጉዳት የውርድ ከምዘሎ’ውን ይወቕሱ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ደጊሙ ኣብ ዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉን ይግለጽ።

ሓይሎ ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታተን ጥንቓቐታት ክገብሩ ብመንገዲ ኤምባሲታተን ጻውዒታት የቕርባ ኣለዋ።

ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሻቒሉ ከምዘሎ’ውን በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት በሺር፣ በዚ ዝካየድ ዘሎ ማዕበል ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ እንተተኣልዩ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነውሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ክልተ መለኽቲ፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሚሴቬኒን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ጥራይ ክኾኑ’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0