ሱዳን፣ ግፋ ስደተኛታት ኤርትራ ይቕጽል

ሱዳን፣ ግፋ ስደተኛታት ኤርትራ ይቕጽል

Radio Erena: 13 July 2016

Gifa Sudan

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመረዎ ግፋ ብጻዕቒ ይቕጽልዎ ኣለው።

ብፍላይ ኣብቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝርከብሉ ከባቢታት ካርቱም፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ገዛ ገዛ እናኣተዉ ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ይገፍዎም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ ድሮ ዒድ ኣል-ፈጥሪ ክሳብ ትማሊ ኣብ ዝነበረ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ኤርትራውያን ተገፊፎም ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

መብዛሕቶም እቶም ካብ ከባቢ ሰሓፋ ዝተገፈፉ ኤርትራውያን፣ ድየም ኣብ ዝብሃል ቦታ ተኣሲሮም ከምዘለዎ ከኣ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ሱዳን ጽዑቕ ግፋ ስደተኛታት ካብ ዝጅምር ናብ ሳልሳይ ወርሑ ተቓሪብሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብዝሒ ናይ ዝተገፉ ኤርትራውያን ብልክዕ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ ልዕሊ 3 ሽሕ ከምዝግመት ንኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱም ብምጥቃስ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የገንዝቡ።

ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ንዝሓዘቶምን ኣብ ካርቱም ንዝገፈቶምን ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ምርካብ ትቕጽሎ ከምዘላ’ውን ይፍለጥ።

መብዛሕቶም እቶም መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዘረከቦም ኤርትራውያን፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ እኳ እንተዘይኮኑ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ናይቲ ኣህጉራዊ ትካል ፍቓድ ዘለዎም ምዃኖም ግና ወኪል UNHCR ካብታ ሃገር ይጠቕስ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0