ካብ ካይሮ ናብ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝተበገሱ ገያሹ ይደናጎዩ

ካብ ካይሮ ናብ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝተበገሱ ገያሹ ይደናጎዩ

Radio Erena: 13 July 2016

Erliness

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣጋጢምዎ ብዘሎ ጸገማት ኣብቲ ካብን ናብን ኣስመራ-ካይሮ ዝግበር በረራታቱ’ውን ምድንጓያት ተራእዩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

በቲ መንግዲ ኣየር ካብ ግብጺ ናብ ኣስመራ ዝተበገሱ ገያሹ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ንብዙሕ ሰዓታት ኣብ ገሊኡ ከኣ ንመዓልታት ክጽበዩ ከምዝተገደዱ ተገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ካይሮ ብመንገዲ ካርቱም ስለእትመላለስ፣ ካብ ግብጺ ናብ ካርቱም ዝተበገሱ ሱዳናውያን ገያሾ’ውን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ተደናግዮም ምህላዎም’ዩ ዝጥቐስ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝጥቐሙ ገያሹ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ’ውን፣ ካብ ዝተመደበሎም ግዜ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተጸበዩን፣ ኣብ ገለ እዋናት ከኣ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ከምዝተመላለሱን ሬድዮ ኤረና ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምሕባራ ኣይርሳዕን።

በብእዋኑ ከጋጥሞ ብሰንኪ ዝጸንሐ ክሳራታትን ቴኒካዊ ጸገማት ነፈርትን ተደጋጋሚ እዋን ጠቕሊሉ ስርሑ ደው ከብል ተገዲዱ ዝነበረ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ብዘይካ’ቲ ካብ ኣስመራ ናብ ጂዳን ሪያድን፣ ናብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ካይሮን ዱባይን በረራታት ከምዘለዎ ይፍለጥ።

እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ኢስት ኣየርን መንገዲ ኣየር ዩክሬይንን ብኽራይ ብዘምጽአን ቦይንግን ኣየርባስን ዝዓይነተን ክልተ ነፈርቲ ኣብ 2014 ዳግም ስርሑ ከምዝጀመረ ይዝከር።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0