‘ሱዳን፣ ጅነራል ኣል ቡርሃንን ጀነራል ዳጋሎን ንሰለስተ መዓልታት ቶዅሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም።’

Radio Erena: 25 April 2023

ኣብ ሱዳን፣ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ቶዅሲ፣ ን72 ሰዓታት ደው ንምባል፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል ሓምዳን ጋዳሎን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሉጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ኣብ ዘመሓላለፎ መክልእኽቲ፣ ምስ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ድሕሪ ዘካየዶ ጽዑቕ ዝርርብ፣ ናብቲ ምቑራጽ ቶኽሲ ከምዝተበጽሐ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብመንጎኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ናይ 24 ሰዓታት ምቑራጽ ቶዅሲ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

እዚ ካብ 25 ሚያዝያ ኣትሒዙ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ፣ ኣብ ሱዳን ተዓጊቶም ንዘለዉ ወጻእተኛታት ንምውጻእን፣ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘልድዮም ድማ ንምብጽጻሕ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ጂቡቲ ብዝርከብ ሰራዊታ ተሓጊዛ፣ ኣብ ሱዳን ተዓጊቶም ንዝርከቡ ዜጋታትን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ናይ ምውጻእ ስርሒት ኣብ እትደፍኣሉ ዘላ እዋን’ዩ እቲ ስምምዕ ተበጺሑ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ብፈጣን ሓይሊ ዝፍለጥ ተወርዋሪ እዚን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብዝያዳ ኣብ ካርቱም ዘተኮረ ብምዃኑ፣ ነቲ ግዝያዊ ስምምዕ ተጠቒሞም፣ 10ታት ኣሽሓት ነበርቲ እታ ከተማ፣ ውሕሱ’ዩ ናብ ዝበልዎ ካልእ ዞባታት እታ ሃገር ይሃድሙ ምህላዎም መርበባት ዜና ሓቢረን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0