ሱዳን፣ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርያ እዋን ልደት ህዝባዊ በዓል ኮይኑ ብወግዒ ተጸንቢሉ

Radio Erena: 27 December 2019

ን10ታት ዓመታት ብእስላማዊ ሸሪዓ ክትመሓደር ኣብ ዝጸንሐት ሱዳን፣ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት በሺር ንመጀመርያ እዋን ልደት ህዝባዊ በዓል ብወግዓዊ መንገዲ ከምዝጸንበለት ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ልደት ህዝባዊ በዓል ክትከውን ብዘውጽኦ ኣዋጅ መሰረት’ቲ፣ እታ ዕለት ተጸንቢላ ዝወዓለት።

ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሱዳን ነስረዲን ሙፍረሕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣዋጅ ውጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ ልውጢ ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ሰፊሩ ምስ ዘሎ መሰል ሓርነት ውልቀሰባት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ልዕሊ 95% ካብ ህዝባ ኣማኒ ምስልምና ምዃኑ ዝንገረላ ሱዳን፣ መሰል ካልኦት እምነታት ብምድራት፣ ልደት ከይጽንበል ከልኪላ’ያ ጸኒሓ።

እንተኾነ ድሕሪ’ዚ ተጀሚሩ ዘሎ ለውጢ፣ ሱዳን፣ ኣብ መሰል ሃይማኖትን እምነታትን ጥራይ ዘይኮነ ካልእ መሰረታዊ መሰላት ደቂሰብ’ውን ንምምሕያሹ ትሰርሕ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ንሱዳን፣ ካብ መዝገብ መሰል ሃይምኖታት ዘየኽብራ ሃገራት ከምዝሰረዛ ዝዝከር’ዩ።

ልደት ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ሃይማኖታዊ በዓል ምዃኑ ንላዕሊ፣ ከም ባህላዊን ዕዳጋዊን ጽንብል ብደረጃ ኣህጉር ናብ ዝኽበር ዕለት ተሰጋጊሩ እኳ እንተሎ፣ ብሸሪዓ ኣብ ዝመሓደራ ሓያሎ ሃገራት ግና ከይጽንበል ጽኑዕ ትእዛዝ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0