ድሕሪ ኣዋጅ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸን ምምልካትን ምሕንጻጽን ዶብ ከይተተግበረን ዓመትን መንፈቕን ኣቝጺሩ

Radio Erena: 26 December 2019

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ስምምዕ ምምልካትን ምሕንጻጽን ዶብ ክትግበር ካብ ዝኸተምሉ ዕለት፣ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ዓመትን መንፈቕን ሓሊፉ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣመልኪቶም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ንዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም፣ ብማሕበራዊ ሜድያታት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ርእይቶታት፣ ስምምዕ ሰላም ከምዝተኸተመን፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተዓናቒፉ ዝጸንሐ ምሕንጻጽን ምምልካትን ዶባት ድማ ክትግበርን ምዃኑ ዝገልጽ ኣዋጅ ብ9ሓመለ 2018 ካብ ዝወጸሉ ዕለት፣ 535 መዓልታት ኣቝጺሩ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን’ምበር ምሕሳብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ካብ ባድመ ዝርከቦ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ይኹን ምሕንጻጽን ምምልካትን ዶባት ዝእንፍት ዝኾነት ዓይነት ምንቅስቓሳት የለን።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የመነ ገብርኣብ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፣ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ተደናጉዩ ኣሎ ክንብል ንኽእል ኢና ከምዝበለ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ባድመ ከይስሓበት ዝኾነ ዓይነት ዝርርብን ዘተን ከምዘይህሉ ንኣስታት 20 ዓመታት ክገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ፣ ብሃንደበት ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፣ ስምምዕ ሰላም ዝኸተመ።

እንተኾነ፣ ሕጂ’ውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከምዘይወጸን፣ እቲ ህይወት 10ታት ኣሽሓት ዘህለቐ ጉዳይ ተወንዚፉ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንህዝቢ ብንጹር ዘይተገልጹ ካልእ ስምምዓት ኣብ ምግባር ተጸሚዱ ከምዘሎ’ዩ ዝውቀስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0