ሱዳን፣ ዝተተምየነ ዶላር ካብ ኡጋንዳ ይውሕዝ ኣሎ ክትብል ወቒሳ

ሱዳን፣ ዝተተምየነ ዶላር ካብ ኡጋንዳ ይውሕዝ ኣሎ ክትብል ወቒሳ

Radio Erena: 15 May 2015

fakedollar

መንግስቲ ሱዳን፣ ካብ ኡጋንዳ ዝነቐለ’ዩ ዝበሎ ዝተተምየነ ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብታ ሃገር ይኣቱ ከምዘሎ ውቒሱ።

ሱዳን ትሪቡን ምንጭታት ሃገርዊ ጸጥታን ድሕነት እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ ሓደ ካብቶም ካብ ኡጋንዳ ዝተተምየነ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከሰጋግሩ ዝጸንሑ ኡጋንዳዊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኡጋንዳዊ ኣብ ዝተታሕዘሉ ዝተተምየነ 73 ሽሕ ዶላርን 4 ሽሕ ኤሮን ኣብ ኢዱ ጸኒሑ።

 

እቲ ብምክትታል ኣባላት ጸጥታ ዝተታሕዘ ኡጋንዳዊ፣ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ዝርከቡ ካልኦት ጉጅለታት መርበብ ብምዝርጋሕ ዝተተምየነ ገንዘብ ከምዘዋፍሩ’ውን ምንጭታት መንግስቲ ሱዳን ይጠቕሱ።

ወነንቲ ሆቴላትን ካልእ ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን፣ ዘይንቡርን ብብዝሕን ምንቕስቓስ ናይ ወጻኢ ባጤራ እንተተዓዚቦም ወይ ድማ ዝጠርጠርዎ ሰብ እንተሎ ብዝቐልጠፈ ናብ ፖሊስ ክውድሉ’ውን ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

ዝተተምየነ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ከምዝንቐሳቐስ’ዩ ዝንገረሉ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0