ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተሓባቢርካ ተባሂሉ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተሓባቢርካ ተባሂሉ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ

Radio Erena: 15 May 2015

ItPrison

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስጋር ስደተኛታት ተሓባቢርካ ተባሂሉ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተቀይዱ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ብ12 ግንቦት ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ ክብላ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

እቲ መንነቱ ዘይተገልጸ ኤርትራዊ ምዃኑ ጥራይ ዝተሓበረ እሱር፣ ኣብቲ ኣብ ሶሊስያኖ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ብሰንኪ ጭንቀት ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕክምና ይካየደሉ ምንባሩ’ውን ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።

 

ኢጣልያን ጀርመንን ዝርከብአን ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዘን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንዝነጥፉ 10ታት ደላሎን ተሓባበርቶምን ኣብ ቀይዲ ምእታወን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ሊብያ ናይ ዝብገሱ ዘለዉ ብዝሒ ስደተኛታትን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሞትን እናተዓጻጸፈ ኣብ ዝመጸሉ ድማ፣ 28 ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ኣብ ሱዳን፣ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብን ደላሎን ተሓባበርቶምን ብዝልዓለ ክህደኑ ይጽዕራሉ ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ክልተ ዓመት ን20 ሽሕ ስደተኛታት ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክህባ ምዃነን’ውን ይግለጽ ኣሎ።

እንግሊዝ፣ ኣየርላንድን ደንማርክን ኣብቲ ሕብረት ብዘለወን ፍሉይ መሰል፣ ነቲ ንስደተኛታት ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምሃብ መስርሕ ክነጽግኦ እንከለዋ፣ እተን ካልኦት ግና ከከም ዕብየተንን ቁጠባዊ ዓቕመንን ንዝተሰልዓለን ብዝሒ ስደተኛታት ብሕጋዊ መንገዲ ከጣይሳ’የን።

በዚ መሰረት ድማ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ኢጣልያን ንዝበዝሑ ስደተኛታት ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ክህባ’የን።

ኣብ ኤውሮጳ ፋሕ ኢሎም ካብ ዘለዉ ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ኣስታት 50 ስሕ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ንምዝታይ ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ሊስበን ኣኼባ ኣካይዶኦም።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0